ጾም

በሥመ ሥላሴ 

 ጾም



ጾም

 ጾም ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ምኽልካል፣ ከምኡ'ውን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ እንስሳ ተወጽኦ ከም ስጋ፣ ጸባ፣ ጠስሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምብላዕን ፡ዊንታ ስጋኻ ገቲእካ ፍቃድ ስጋኻ ንፍቃድ ነፍስኻ ምእዛዝ ማለት ኢዩ (ዳን.10፣2-3)።

 ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ጾም ኣብ ክልተ (2) ይኽፈል
 ንሱ ድማ፦
 ሀ). ናይ ግሊ ጾም
 ለ).ናይ ኣዋጅ ጾም ተባሂሎም ይጽውዑ።

 ሀ). ናይ ግሊ ጾም፦ ናይ ግሊ ጾም ናይ ንስሓ ጾም ተባሂሉ ዉን ይጽዋዕ ኢዩ ምኽንያቱ ናይ ግሊ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ኣበ ነብሱ ድሕሪ ናይ ንስሓ ኑዛዜ ዝወሃቦ ቀኖና ኮይኑ፣ ንሱ ኸኣ ስለ ሓጢኣቱን በደሉን እንዳስተንተነ ዝጾሞ ጾም ስለ ዚኾነ ኢዩ። ናይ ግሊ ጾም ካብ ናይ ኣዋጅ ጾም ዝፍለየሉ ምኽንያት ብጀካ ንስኻን ኣበ ነብስኻን እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ሰብ ክፈልጠካ ኣይግባእን ኢዩ ፣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ ብምባል ኢዩ ገሊጽዎ /ማቴ.6፣16-19/።

 ለ). ናይ ኣዋጅ ጾም፦ እዚ ጾም'ዚ ካብ ናይ ግሊ ጾም ፍልይ ዘብሎ ኩሉ ክርስትያን ኣብቲ ብቅዱሳን ኣቦታት፣ ብወርኃት, ሰሙናት, መዓልታት ተፈላልዩ ዝተወሰነ ክፍለ ግዜ ናይ ሙጻም መንፈሳዊ ግዴታ ስለ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ኪጾሞም ዘለዎ ሸውዓተ (7) ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉና ::
ንሳቶም ከኣ፦
 1) ዐብይ ጾም
 2) ጾመ ነብያት
 3) ጾመ ሐዋርያት 
 4) ጾመ ፍልሰታ 
 5) ጾመ ነነዌ
 6) ጾመ ድኅነት (ሮብዕን ፡ዓርብን)
 7) ጾመ ገሃድ 

 ጥቅሚ ጾም ሰብ ጾም ብምጻሙ ካብ መከራ፡ ሓጢኣት ካብ ምስራሕ ይድሕን፡፡ ሰብ ነነዌ ጾም ብምጻሞም ካብ ጥፍኣት ከም ዝደሓኑ፡ (ዮሃ 3፡5-10) ከምኡ ኸኣ ህዝቢ ኣይሁድ ጾም ብምጻሞም ካብ ሞት ከም ዝደሓኑ ርኢና ኢና። (ኣስ 4፡6-17፣ ኢዩ 2፡12-15) ጐይታ’ውን “እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ግና ብጾምን ጸሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወጽእን እዩ።” አሉ ምሂሩ እዩ፡፡ (ማቴ 17፡21፣ ግ.ሃዋ 13፡2-3) ስለዚ ንሕና ጾም ብምጻምና እንረኽቦም ጥቕምታት ብዙሓት እዮም፡፡

 ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡-
 
ሀ) ጾም ፍቓድ ስጋና ንፍቓድ ነፍስና ንምግዛእ ይጠቅም፡፡ (መዝ 35፡13) 

ለ) ጾም ንእግዚኣብሔር ንምልማንን፡ ካብኡ ሰናይ ዝኾነ ውህበት ንምቐባልን ይጠቅም፡፡ (ዘጸ 34፡28-31፤ ግ.ሃዋ 10፡1-48፤ 1ሳሙ 2፡1-2፤ ግ.ሃዋ 13፡1-13፤ እዝ 8፡23)

 ሐ) ጾም ሓዘንካ ንእግዚኣብሔር ንምግላጽ ይጠቅም፡፡ (ኢዩ 2፡12-15፤ ዳን 10፡2-3፤ ነህ 1፡4) 

 መ) ጾም ተጣዒስካ ብንስሓ ናብ እግዚኣብሔር ንምምላስ ይጠቅም፡፡ (1ሳሙ 7፡6፤ ዮና 3፡5-10) 

ሰ) ጾም ሓይሊ ኣጋንንቲ ንምድካምን፡ ጸብኣ ኣጋንንቲ ንምርሓቕን ይጠቅም፡፡ (ማቴ 17፡21) 

ረ) ጾም ዘለኣለማዊ ህይወት ንምውራስ ይሕግዘና፡፡ 
(ማቴ 5፡6) 
 
ሓቀኛ ጾም 

 ሓቀኛ ጾም ዝብሃል ከመይ ዝበለ ኢዩ? 
 ጾም ካብ መግቢ ተፈሊኻ ምውዓል ጥራሕ ዘይኮነ ብጸሎትን፣ ምጽዋትን ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዝተሰነየ ክኸዉን ኣለዎ /ማቴ.17፣21/ ማቴ.6/ ኣብ ግዜ ጾም ልሳና ካብ ክፉእ ምዝራብ፣ ኣእጋርና ናብ ናይ ሓጢኣት ቦታ ካብ ምኻድ ምኽልካል ........ ኮታስ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ክንእለ ይግብኣና።

 ኣብ ግዜ ጾምና ናብ ቤት መቕደስ ምኻድን፣ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምንባብን፣ ምምሃርን፣ ምስትምሃርን መንፈሳዊ ግዴታና ኢዩ /ነህ.9፣14/, /ኤር.36፣9-10 ጾም ብነብስን ብስጋን ክንጥቀመሉ እንተዄና ምስ ሓድሽ ሰብነት ማለት ብንስሓ ክንሕጸብ ኣለና፣ ነዚ ኪገልጽ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ.9፣15-18/ ነህ.9፣2/ ንቅዱስ መንፈስ ኣብ ቅዱስ ሰብነት ክንዓቕሮ ይእዝዘና ኢዩ፣ ስለዚ ጾም ኣብ ዚኣትወሉ ግዜ ብንስሓ ሰብነትና ኣንጺህና ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ርሒቕና፣ ኩሉ ነገር እግዚኣብሔር ንዓና ዝገበሮ እንዳዘከርናን፣ እንዳስተንተናን ቅዱስ እዋን ከነሕልፍ ይግባእ። 

ክንጸዉም ከለና ብሙግሩምራም ዘይኮነ ብደስታ እንዳተሓጎስና ክንጸዉም፣ ነብስና ንጾም ድልውቲ ጌርና ከነቕርባ ይግባእ /ዘካ.8፣18/ ኢሳ 58፥3-12 ገላ 5፥22-25፣ መናፍቃን ኣብ ልዕሊ ጾም ዘለዎም ተቃውሞ ሕቶ፡- “ንሰብ ዘርክሶ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ደኣ እምበር ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን እዩ፡፡” 

(ማቴ 15፡11) መልሲ፦ እዚ ዝበሎ ብዛዕባ ኢድካ ከይተሓጸብካ ምብላዕ ዝምልከት ደኣ እምበር ብዛዕባ ጾም ኣይኮነን። ሽዑ ዝሓተትዎ እውን ብዛዕባ ጾም ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ተሓጺብካ ምብላዕን ከይተሓጸብካ ምብላዕን እዩ፡፡ 

ከም ስርዓት ኣይሁድ ‹ከይተሓጸብካ ምብላዕ የርክስ እዩ› ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ሽዑ ነቲ ጐይታ ዝሃቦም መልሲ ከምዚ ሎሚ ንጾም ዝቃወሙ ሰባት ብዝተረድኡሉ መንገዲ ስለ ዝተረድእዎ ተዓንቂፎምሉ እዮም፡፡ እዚ ግና ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‹ፊደል ይቐትል መንፈስ ህያው ይገብር› ዝበሎ እዩ እምበር፡ ኣስተውዒልና ብምሉእ ልብና ነቲ ሓሳብ እንተ ኣንቢብናዮ ባዕሉ ጐይታ’ውን ክምልስ ከሎ “ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ” ብምባል እቲ ዝተላዕለ ሕቶ ብዛዕባ ጾም ከምዘይኮነ ብንጹር ገሊጽዎ እዩ፡፡ (ማቴ 15፡16-20) 


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


 ሥብኃት ለእግዝኣብኄር

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና